Free Downloadሰለስቲአን መሰረታት ማለት ሕፅር ብዝበለ ሰለስቲአን ሕቶታት ቀብሪ ማለት እዩ።
ብሽም አላህ አዝዩ ራህራህን አዝዩ ዝሓዝንን ኩሉ ምስግና ንአላህ ይኹን ፤ ነመስግኖ፣ ረድኤቱን ምሕረቱን ንልምኖ፣ ካብ ኽፍአት ነፍስናን ሕማቅ ስራሕትናን ብአላህ ንሕሎ፤ አላህ ንዝመርሖ ዘጋጊ የብሉን፤ ንዘጋገዮ `ውን መራሒ የብሉን፤ ብዜካ አላህ ናይ ብሓቂ ዝግዝኡዎ ወላ ሓደ ኸምዘየሎ፤ ብሕታውን መሻርኽቲ ዘይብሉን ምዃኑ ሙሓመድ ﷺ ድማ ባርያኡን ልኡኹን ምዃኖም ይምስክር። ብምቅፃል፡ ናይ መብራህርሂ መእተዊ ሸይኹል ኢስላም፤…

